ሓባሪ መንገዲ ናብ ስልጠናን ሞያን
ንዝበዝሑ ስደተኛታት ኣብ ጀርመን እትው ምስ በሉ ዝለዓል ሕቶ ንቐጻሊ ብዛዕባ ሞያ እዩ ። ስዒቡ ኣብ ሃገሩ እንከሎ ሞያ ኔርዎዶ ኣይነበሮን ፣ ወይ ድማ ኣብ ሞያዊ ስልጠና ምንባሩን ብሰንኪ ስደት ኣቋሪጽዎ ድዩ ዝብሉ ሓሳባት ይለዓሉ እዮም ።
ኣብ ጀርመን ስደተኛታት ቅድሚኡ ዘይፈልጥዎን ብዙሕ ፍልልይ ዘለዎን ስልጠናን ዓይነት ሞያን ከም ዝጽበዮም ተረዲኦም ተቐሪቦሙሉ ክጸንሑ ኣለዎም ።