fugeefilms gGmbh

ሓባሪ መንገዲ ናብ ስልጠናን ሞያን

ንዝበዝሑ ስደተኛታት ኣብ ጀርመን እትው ምስ በሉ  ዝለዓል ሕቶ ንቐጻሊ ብዛዕባ ሞያ እዩ ። ስዒቡ ኣብ ሃገሩ እንከሎ ሞያ ኔርዎዶ ኣይነበሮን ፣ ወይ ድማ ኣብ ሞያዊ ስልጠና ምንባሩን ብሰንኪ ስደት ኣቋሪጽዎ ድዩ ዝብሉ ሓሳባት ይለዓሉ እዮም ።

ኣብ ጀርመን ስደተኛታት ቅድሚኡ ዘይፈልጥዎን ብዙሕ ፍልልይ ዘለዎን ስልጠናን ዓይነት ሞያን ከም ዝጽበዮም ተረዲኦም ተቐሪቦሙሉ ክጸንሑ ኣለዎም ።

ነቲ ኣብቲ ሕብረተ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ምውሕሃድ ዝብል ዕላማ ንምውቃዕ ፣ ቀጻልነት ዘለዎ ስራሕን ብቕዓት ናይቲ ሰብን ዓበይቲ ጸገማት ንምስጋር ዓቢ ግደ ኣለዎ ። እዚ ማለት ናይ ቋንቋ ፈተናታት ፣ ዘለዉኻ ናይ ትምህርቲ ሰነዳት ኣብ ጀርመን ተቐባልነት ናይ ምርካብ ፣ ኣማራጺ ስልጠናታትን ወይ ድማ ናብ ዝለዓለ ትምህርቲ ( ዩኒቨርሲቲ ) ትኸደሉ መንገዲ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምርድዳኣትን ንመንበሪኻ ዝኸውን ወጻኢታት ( ብሕጊ ጀርመን  2 ን 3  ከም ዘፍቅዶ ፣ ባፈግ ( ንተመሃራይ ዝግበር ለቓሕ ፣ ንትምህርቲ ዝግበር ሓገዝ ) ዝኣመሰሉ እዮም ። ከምኡ ውን ብዙሓት ዝተፈላለያ ትካላት ሓበሬታ ይህባ እየን ።  ኣብ ስዒቡ ዝቐርብ ኣድራሻታት ተመልከት ።

በቲ ካልእ ሸነኽ ኣብቲ መስርሕ ሞያ ናይ ምaርካብ መሰረታዊ ምዕባሌታትን ካልኦት ኣማራጺታትን ብግቡእ ምርዳእ

እዚ ሓበሬታ እዚ ነቶም ልዕሊ 18  ዓመት ዝኾኑን ኣብ ስሩዕ ትምህርቲ ክኸዱ ዘይግደዱን ስደተኛታት ጥራይ እዩ ዝምልከት ። እዚ ማለት ግን ትምህርታዊ  ሓበሬታ ኣይምልከቶምን ዘይኮነስ ትምህርታዊ ሓበሬታ ከም ዘወሃቦም ይግበር ። እዚ ነዞም ስደተኛታት ናይ ሓበሬታ ሓገዝን ኣብ ምውህሃድ ኣበየናይ ደረጃ ከም ዘለዉን ስእላዊ ሓበሬታ ይህቦም ።